Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት ሃገራዊን ሃገረ መንግስቲን ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ምይይጣት ከምዘድልዩ መንግስቲ ብፅኑዕ የኣምን – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ህንፀት ሃገራዊን ሃገረ መንግስቲን ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያት ምይይጣት ከምዘድልዩ መንግስቲ ብፅኑዕ ከምዝኣምን ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ከበደ ዴሲሳ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ልዝብ ኣብ ሓደ ፀሓይ ተጀሚሩ ብሓደ እዋን ዝዛዘም ስለዘይኮነ፤ እቲ ልዝብ ንምጅማር ትካላዊን ሕጋዊን ማዕቐፋት ናም ድላው ስራሕቲ እናተዳለዉ ምዃኖም ገሊፆም፡፡

መዓዝ፣ ምስ መን ድርድር ይግበር ዝብል ስራሕ ዘሳልጥን ዘተሓባብርን ከምኡ እውን መካተቲ ሃገራዊ ምይይጥ ንኽግበር፥ ነዚ ዘተሓባባር ትካል ክህነፅን ክውደብን ሕጋዊ ማዕቐፍ ከምዝተዳለወ ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ናፃን ዘይሻራዊን ዝኾነ ትካል የድሊ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ነዚ ንምዕዋት ኮሚሽን ሃገራዊ ምይይጥ ንኽጣየሽ ኣዋጅ ቀሪቡ ብቤት ምኽሪ ሚኒትራት ፀዲቑ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንምፅዳቕ ኣብ ከይዲ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

እቲ ሃገራዊ ምይይጥ ሓደሓደ ወገናት ምስ እዋናዊ ኩነታት ብምትሕሓዝ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ህንፀት ሃገራዊ ሃገረ መንግስቲ ንምጥንኻር ዝተሓሰበ ንደሓር ብምባል ምስ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ዝተሓሰበ ድርድር ኣምሲሎም ዘቕርቡ ከምዘለዉ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ድማ ኣዚዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታ ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ሃገራዊ መድረኽ ልዝብ ዝፀንሐ እምበር ምስ ኲናት ተተሓሒዡ ዝመፅ ከምዘይኮነ ኣብ መግለፂኦም ኣልዒሎም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.