Fana: At a Speed of Life!

ህንዲ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምቁፅፃር ዓሊማ ኣዊጃቶ ንዝፀንሐት ዕፅዋ ንዝቕፅል ክልተ ሰሙን ክቕፅል ወሲና

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ህንዲ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንምቁፅፃር ዓሊማ ኣዊጃቶ ንዝፀንሐት ዕፅዋ ንዝቕፅል ክልተ ሰሙን ክቕፅል ከምዝወሰነት ተገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ዝወፅአ መምርሒ ምንዋሕ ዕፅዋ፥ እታ ሃገር ቀይሕ፣ ቀጠልያን ኣራንሾኒን ብዝብል ኣብ ሰለስተ ዞባታት ከምዝተመቐለት ተገሊፁ።

ብቐይሕ ዞባ ዝፍለጡ ቦታታት፥ ልዑል ምልባዕ ለበዳ ቫይረስኮሮና ዝተራእየሎምን  ኣብ ተሪር ዕፅዋ ዝፅንሑ’ዮም ተባሂሉ።

እቶም ካልእ ሕብሪ ዝተውሃቦም ዞባታት ድማ ድሩት ምዝላቕ እገዳታት ክግበረሎም ምዃኑ ተሓቢሩ።

ህንዲ ከም ኣቆፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 24 መጋቢት ጀሚራ ኣብ ዕፅዋ ዝፀንሐት ሃገር እንትትከውን፥ ዛጊድ 35 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለዉ።

ስለዝኾነ እቲ ንዝቕፅል ክልተ ሰሙን ንክናዋሕ ዝተወሰነ ውሳነ ኣቐዲሙ ዝተኣወጀ ዕፅዋ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ስለዘመዝገበ ዝተወስደ ምዃኑ ብምግላፅ ክሳብ 18 ግንቦት ክቕፅል ምዃኑ ሚኒስቴር ውሽጣዊ ጉዳያት ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.