Fana: At a Speed of Life!

ህብረ ብዙሕ ኢትዮጵያውያንን ትውልድ ኢትዮጵያውያንን እንቋዕ ንመዓልቲ ህብር ብሰላም ኣብፀሐኩም-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህብረ ብዙሕ ኢትዮጵያውያንን ትውልድ ኢትዮጵያውያንን እንቋዕ ንመዓልቲ ህብር ብሰላም ኣብፀሐኩም ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

4 ጳጉሜን መዓልቲ ህብሪ፥ “ህብርና ንሰላምና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኸቢሩ ክውዕል ኢዩ ኢሉ።

ኢትዮጵያዊያን መዓልቲ ህብር ዓመት ሙሉእ ክነኽብሩ ዝግበአና ኢዩ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት፥ ብብሄር፣ ብቋንቋ፣ ብኣረኣእያ፣ ብመልክኣ ምድሪ፣ ብኣመጋግባ፣ ብኣነባብራ፣ ብኣለባብሳ ወዘተ ህብርና ብዙሕ ኢዩ፤ ህብራዊነትና እውን ሰፊሕ ኢዩ ክብል ገሊፁ።

እዚ ህብርና ድማ ፅባቐና፣ ሕብረትና፣ ፍልፍል ጥንካረናን ሓጎስናን ኢዩ ኢሉ።

ናይ ደጉዓ ኣከዳድና ንቆለታይ ብርቁ ኢዩ ብምባል፥ ናይ ሓደ ብሄር ኣሰዓስዓ ንካሊእ ሓዱሽ ልምዲን ፍልፍል ሓጎስን ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።

ናይ ሓዲና ኣረኣእያ ንካልኦትና ትምህርቲ ኢዩ፤ ኣብ ሓደ ከባቢ ዘሎ መልክኣ ምድሪ ንካሊእ ፅባቕኡ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ህብር ተፈጥሮኣዊ ኣብ ዝኾነላ ኢትዮጵያ ናይ ብዙህነትና መኽሰብ እናተኻፈሉ ምንባር ዕድል ኢዩ ኢሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.