Fana: At a Speed of Life!

ህቡብ ድምፃዊ ኣቤል ተስፋይ (ዘ ዊኬንድ) ኣብ ክልል ትግራይ ንሰብ ኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 1 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትውልደ ኢትዮጵያዊ ህቡብ ዓለም ለኸ ድምፃዊ ኣቤል ተስፋይ (ዘ ዊኬንድ) ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንሰብ ኣዊ ሓገዝ ዝውዕል 1 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይሩ።

ኣቤል ተስፋይ ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ብጥሜት ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝኸውን ሓገዝ እናገበረ ምንባሩ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ሕዚ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ምግቢ ንምቕራብ ዝውዕል 1 ሚሊየን ዶላር ድጋፍ ከምዝገበረ ዝገለፀ እቲ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፥ በቲ ድምፃዊ ዝተገበረ ሓገዝ ወሳኒ ሓገዝ ኢዩ ኢሉዎ።

እቲ ሓገዝ፥ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ንምቕራብ ዝገብሮ ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.