Fana: At a Speed of Life!

ሃፍትታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዘፋለጥ ፎረም ኣብ ቤጂንግ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀጋታት ቱሪዝምን ዕድላት ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ንዜጋታት ቻይና ንምፍላጥ ዝዓለመ ፎረም ፕሮሞሽን ቱሪዝም ኣብ ቻይና ከተማ ቤጂንግ ተኻይዱ።

ኣብቲ ፎረም÷ ኣብ ቻይና ዝርከቡ ትካላት ዑደትን ኣብ ምፍላጥ ቱሪዝም ዝተዋፈሩ ሰብ ግደን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ÷ ሃፍትታት ቱሪዝም፣ ፍርያታትን ዕድላት ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ኣመልኪተን ንዕዱማት ኣጋይሽ መብርሂ ሂበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ንቻናውያን በፃሕቲ ዝተመረፁ ፍርያታትን ግልጋሎታትን ቱሪዝም እናተስፋሕፍሑ ምዃኖም ብምግላፅ ኩለመዳያዊ ስፍራታት ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንኽበፅሑ ፃውዒት ኣቕሪበን።

እቲ ፎረም ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዘዳለዎ እንትኸውን÷ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ቱሪዝም ምጥንኻር ከምዝግባእ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ቱሪዝም ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.