Fana: At a Speed of Life!

ሃገሮም ብውትድርና ንምግልጋል ዝደለዩ መናእሰይ ናብ ትካል መሰልጠኒ ተፋኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣብ 2016 ዓም ካልኣይ ዙር ምልመላ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንሃገሮም ብውትድርና ንምግልጋል ዝደለዩ መናእሰይ ናብ ትካል መሰልጠኒ ተፋኒዮም።

ኣብቲ እዋን ምፍናው ርኢቶኦም ዝሃቡ መናእሰይ÷ ”ናብ ራዊት ምክልኻል ዝተፀምበርና ናይ ኣቦታትና ሓደራ ተቐቢልና ሃገርና ንምሕላው ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ሓላፊ መምርሒ ሰላምን ፀፅታን ዞባ ምብራቕ ጎጃም ኣበባው በለጠ ብግደኦም÷ መንእሰይ ሃገሩ ካብ ፀላኢ ንምሕላው እናርአዮ ዝርከብ ወነ ዘደንቕ ከምዝኾነ ምግላፆም ሓበሬታ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ የመላኽት፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ብሓይሊ ሰብ ንምጥንኻር ስራሕቲ ምምልማል ምክያድ፤ ከምኡ እውን መናእሰይ ወነንቲ ናይ ክብሪ ሞያ ብምግባር ዕድል ስራሕ ናይ ምፍጣር ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.