Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ክትስእኖ ዝነበረት 50 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኮሚሽን ጉምሩኽ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2014 በጀት ዓመት ሃገር ክትስእኖ ዝነበረት 50 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኮሚሽን ጉምሩኽ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ገምጋም ኣፈፃፅማ መደጋት 2014 ዓ.ምን ትልሚ 2015 ዓ.ም ብዝምልከት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ተዛቲዩ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ደበሌ ቃበታ÷ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ዝተውሃቦ ልኡኽ ብብቕዓት ዝተዋፀአሉ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ምጭብርባር ንግዲን ኮንትሮባንድን ኣብ ምክልኻል ተሳትፎ ሕብረተሰብ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ውሽጣዊ ዓቕሚን ምጥቃም ከምዘድሊ ብምግላፅ፥ እዚ ብምጥንኻር ሃገር ክትስእኖ ዝነበረት 50 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ብተመሳሳሊ 5 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዝግመት ናውቲታት ኮንትሮባንድን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ከምዝተትሓዘ ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.