Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ንዝኸሓደ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝኹንን ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሕዳር ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገር ንዝኸሓደ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝኹንን ሰልፊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተኻይዱ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከተማታት ጋምቤላ፣ ቡሌ ሆራ፣ ሆሳእና ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ዘኹንኑ ሰልፊታት ተኻይዶም።

ነበርቲ ከተማ ጋምቤላ ጁንታ ህወሓት እናካየዶ ዝርከብ ሃገር ናይ ምፍራስ ዕላማ ጠጠው ንምባልን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ንምቕራብን ሰራዊት ምክልኻል እናወሰዶ ዝርከብ ስጉምቲ ከምዝድግፉ ብምግላፅ፤ ኣብ ጎኒ እቲ ሰራዊት ብምዃን ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም፡፡

ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ሓይሊታት ጥፍኣት ብምውፋር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ዝፈፀሞ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ኣብ ክልል ጋምበቤላ እውን መሰል ተግባራት ከይፍፀም ከባቢኦም ነቒሖም ከምዝሕልዉ ገሊፆም፡፡

ኣብ መዛዘሚ እቲ ሰልፊ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ደም ለጊሶም፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብጉጂ ከተማ ቡሌ ሆራን ወረዳ ቡሌ ሆራን ዝነብሩ ነበርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ቡሌ ሆራ ብዝገበሩዎ ሰላማዊ ሰልፊ እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዘብፀሖ መጥቃዕቲ ከምዝኹንኑዎ ገሊፆም፡፡

እቶም ነበርቲ ልዕሊ 200 ሰንጋታትን ብር 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ሓገዝ ብምግባር ንሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ክብሪ ኣርኢዮም።

ብተመሳሳሊ ነበርቲ ከተማ ሆሳእና ጉጅለ ህወሓት ዝፈፀሞ ክሕደት ዝኹንን ሰልፊ ኣብ ዞባ ሃዲያ ከተማ ሆሳእና ኣካይዶም።

ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ኣብ ጎኒ እቲ ሰራዊት ምዃኖም ገሊፆም፡፡

ዩኒቨርሲቲ ቀብሪደሃር እውን ኣብ ክልል ትግራይ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ብር 680 ሺሕ ዝግመት ዋጋ ዘለወን 200 ኣጣልን 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ጥረ ገንዘብን ሓገዝ ገይሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.