Fana: At a Speed of Life!

ሃገር በቆል ስርዓት ኣፈታትሓ ጎንፂ ንውጥን ሃገራዊ ህንፀት ርኡይ ታራ ኣለዎም – ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገር በቆል ስርዓት ኣፈታትሓ ጎንፂ ንህንፀት ሃገራዊ ሰላም ርኡይ ታራ ከምዘለዎም ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ።

ዘላቒ ሰላም ኢትዮጵያ ንምዕሳልን ጎንፂታት ንምፍታሕን ሃገር በቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂታት ምስ ሳይንሳሰዊ ስነ-ሓሳብ ኣፈታትሓ ጎንፂ ብምግንዛብ ብከመይ ምጥቃም ከምዝከኣል ዝሕግዝ ስልጠና የወሃብ ኣሎ፡፡

ከም ሃገር ዘይምርዳዳት ወይ እውን ጎንፂታት ዝፍትሑሉ ዓሚቕ ማሕራዊን ሃገር በቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂ ከምዘለዉ ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ዳይሬክተር ህንፀት ሰላም ኣይተ ወንድወሰን መኮንን ተዛሪቦም፡፡

“ናይ ባዕልና መፍለዪ ዝኾኑ ፀጋታት ብምሕዳግን ናይ ወፃኢ ዓለም ፅዕንቶ ከም ስልጣነ ብመውሳድ መግለፂና ዝኾኑ ማሕራዊ ሃፍቲታት ብዘይምጥቃም ከም ህዝቢ ዋጋ እናኸፈለና ይርከብ” ኢሎም፡፡

ሃገር በቆል ስርዓታት ኣፈታትሓ ጎንፂታት ብምጥንኻርን ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ ልዝብ ብምፍታሕን፣ ስርዓታት ሽምግልናን ዕርቂን ብምድንፋዕ ሰላም ኢትዮጵያ ዘተኣማምን ንምግባር ናይ ባዕሎም ብጽሒት ክዋፃእ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኡስታዛት፣ ኣባ ገዳታት፣ ሱልጣናትን ሃደሲንቄታትን ተሳቲፎም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.