Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ምስ ሙሉእ ክብራ ንምፅናሕ ዘለና ኣማራፂ ኩሉ ክንጥቀም ኢና – ምምሕዳር ክልል ደቡብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኩሎም ህዝቢታትን ኣመራርሓታትን ክልል ደቡብ ሃገር ንምድሓን ንዝግበር ቃልሲ ካብ ኩሉ ተግባር ቅድሚት ሂቦም ንኽረባረቡ፣ መናእሰይ ናብ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ንኽፅምበሩን ተወዲቦም ፀፅታ ከባቢኦም ንኅሕልዉን፣ መላእ ህዝቢ ፀላኢ ንምምካት ኩለመዳይ ሓገዞም ንኸጠናኽሩን ከባቢኦም ካብ ሸሊኾም ዝኣተዉ ኣካላት ንኽሕልዉን ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንገስቲ ክልል ደቡብ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቡ መግለፂ ሂቡ፡፡

ኣብ መግለፂኡ ድማ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን እቲ ክልል ሽርሒ ፀላኢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምፍሻል ኣብ ከይዲ ምርግጋፅ ህልውና ሃገር መሪሕ ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ኣፍሊጠጡ።

ብተንኮል ተወሊዱ ብሽርሒ ፖለቲካ ስኑ ዝነቐለ ንባዕሉ ግምባር ናፅነት ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ዝሰየመ ዘራፊን ኣጥፋኢን ጉጅለ ን27 ዓማውቲ ኣብ ህዝቢታት እቲ ክልል ኢሉ እው ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝፈፀሞ በደልን ክሕደትን ተዘርዚሩ ኣይውዳእን ኢሉ።

እቲ እኩይ ተግባሩ ዘስካሕኸሖም ኩሎም ኢትዮጵያውያን መሪር ቃልሲ ብምክያድ ካብ እንግዳዕ ህዝቢ ንኽወርድ ዝተገበረ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ፥ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ከይዲ ለውጢ ንምቅልባስ ዘይሸረሖ ሽርሒ ከምዘይነበረ እውን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ደቡብ እውን ብኣተሓባበራይነት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝተኸሰቱ ጎንፂታት ህይወት ዜጋታት ከምዝቐጠፈ፣ ልዑል ዕንወት ናውቲ ከምዝበፅሐ፣ ዜጋታት ከምዝተመዛበሉን ብዙሓት ጉድኣታት ከምዝበፅሐን ገሊጹ።

ኣብ መላእ ሃገር ሰላማዊ ዜጋታት ብምጭፍጫፍ፣ ሕድሕድ ናዕቢታት ብምጉስጓስ፣ ምስ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ብምትሕብባር ቀንዲ ፀላኢ ሃገርን ባንዳን ምዃኑ ብተግባር ኣርኢዩ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ብተስፋ ሙቑራፅ ዝተመልአ ጉጅለ ሕዚ እውን እኩይ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ ህዝቢታት ዘየቋፅ ስግኣት ህልውና ኣንፀላሊዩ ከምዝርከብ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ምቅላስ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ ብምዃኑ፥ መላእ ህዝቢታት ክልል ደቡብ እቲ ጉጅለ ኣብ ምድምሳስ ግደኦም ክዋፅኡ መንግስቲ እቲ ክልል ፃውዒቱ ኣመሓላሊፉ።

“እዛ ዓባይ ሃገር ምስ ሙሉእ ክብራ ክትፀንሕ ንምግባር ዘለና ኩሉ ኣማራፂ ብምጥቃም ነዚ በላዒ ሰብ ጉጅለ ንሓደን ንመወዳእታ እዋንን ክንድምስሶ ይግባእ ኢሉ።

አካባቢዎን ይጠብቁ!

ወደ ግንባር ይዝመቱ!

መከላከያን ይደግፉ!

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.