Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ጥምረት ፎረም ሰላም ተጣይሹ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ህንፀት ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን ውፅኢታዊ ምህባር ዘኽእል ዝተባህለሉ ”ሃገር ለኸ ጥምረት ፎረም ሰላም” ተጣይሹ።

እቲ ጥምረት ንምምስራት ዝተሰናደአ መድረኽ ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብቲ መድረኽ ድማ ካብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት ዝተውፃእፅኡ ኣመራርሓታት ፎረም ሰላም ላዕለዎት ትካላት ትምህቲ ተሳቲፎም።

ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ሓላፊ ዴስክ ህንፀት ሰላም ወንድወሰን መኮንን ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ፎረም ኣብ ህንፀት ሰላምን ብሄራዊ ምርድዳእን ዓብዪ ግደ ዝፃወት ኢዩ።

ቅድሚ ሕዚ ተጣይሹ ዝርከብ ፎረም ሰላም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገር ለኸ ጥምረት ፎረም ሰላም ኣባል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ብብርኪሃገር ጥንኩር ውዳበ ፎረም ሰላምን ቀፃልነት ዘለዎ ኣሰራርሓን ብምፍጣር ህንፀት ሰላም ብሄራዊ ምርድዳእ ውፅኢታዊ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ኣብሪሆም።

ሚኒስቴር ትምህርቲን ሚኒስቴር ሰላምን እቲ ፎረም ሰላም ሓበራዊ መርሃ ግብሪ ትልሚን ተግባርን ብምሕንፃፅ ብሓባር ከምዝሰርሓ ምፅረሐን ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.