Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ገምጋም ኣፈፃፅማ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሃገር ለኸ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ፌዴራል፣ ዓሰርቲአን ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ቀሪቡ ልዝብ ክግበረሎም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣመራርሓታትን ሓለፍቲ ቢሮ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኢንተርፕራይዛትን ክልላት፣ ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፌዴራል ከምኡ እውን ኤጀንሲ ውሕስና ምግቢን ሓለፍቲ መራኸብቲ ሓፋሽን ኣብቲ መድረኽ እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ መድረኽ ንኽልተ መዓልቲታት ከምዝፀንሕ እውን ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.