Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ ዝተዋደደ ፕሮጀክት ማስተር ፕላን ትራንስፖርት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ መጋቢት 30 ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትራንስፖርት ሃገር ለኸ ዝተዋደደ ፕሮጀክት ማስተር ፕላን ትራንስፖርት ብዕሊ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ፥ እቲ ፕሮጀክት ብዝተተለመሉ እዋንን ፅሬትን ንኽዛዘም ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ኣድላዪ ምትሕብባር ንኽገብሩ ሓቲተን።

እተን ሚኒስትር፥ እዋናዊ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ስራሕ ኣብ ዝተተለመሉ ግዘ ንምትግባር ዘኽእል ፍሉይ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርግሑ እውን ገሊፀን።
ፕሮጀክት ማስተር ፕላን ትራንስፖርት፥ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብን ኤስ ፒ ቲ ብዝተብሃለ ዓለም ለኻ ኣማኻሪ ትካል ዝትግበር ኢዩ።

እቲ ፕሮጀክት ን20 ዓማውቲ ዘገልግል እንትኸውን፥ ፍሰት ትራንስፖርት ኢትዮጵያ ብምስላጥ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ዘለዎ ብፅሒት ከዕቢ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒስቴር ትራንስፖርት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.