Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ምጅማር ምንቅስቓስ ፀረ-መዕወኒ ሓሺሻት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ንመናእሰይ ካብ መዕወንቲ ሓሺሻትን መፃእቲ ልማዳዊ ተግባራትን ነድሕን” ብዝብል ቃል ሃገር ለኸ መርሃ ግብሪ ምጅማር ምንቅስቓስ ፀረ-መዕወኒ ሓሺሻት ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝበለኦ÷ ዝሕሰን ዘላቒ ልምዓት ንምምፃእ ንመናእሰይን ሰገናትን እኹል ትኹረት ምሃብን ስብእነኦም ምቕራፅን የድሊ።

ብኽንያት ምስፍሕፋሕ ከተማነትን ሉላዊነትን ዝውውር መዕወኒ ሓሺሽ እናተስፋሕፈሐ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ይኹን እምበር ብወገን መናእሰይ ግንዛበ እናጠፈጠረሎም ከምዘይኮነ ገሊፀን፡፡

በዚ ድማ መንእሰይ መዕወኒ ሓሺሽን መፃእቲ ልማዳዊ ተግባራትን ብምፍታን ንልዑል ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ቅልውላዋት እናተቓልዑ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ብምዃኑ ብናይባዕሎም ባህሊ ዝኾርዑ ሃገሮም ዝፈትዉ መናእሰይ ንምፍጣር ካብ ስድራ ጀሚሩ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ትኹረት ክገብር ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ብምንይችል ኣዘዘውን ሃይማኖት ወንዲራድን

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.