Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ንምውሳድ ካብ ዝተመዝገቡ ተምሃሮ 97 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝተፈተኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ንምውሳድ ካብ ዝተመዝገቡ 701 ሺሕን 749 ተምሃሮ 97 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ከምዝተፈተኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።

ዝተረፉ ድማ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ትምህርቶም ደንጒዮም ብምጅማሮም ነቲ ፈተና ከምዘይወሰዱ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሀኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ምዝዛሙ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ እቲ ፈተና ኣብ መላእ ሃገር ብዓወት ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።

ነቲ ፈተና ካብ መንጎ ዝወሰዱ ተምሃሮ እቶም 29 ሺሕን 718 ተምሃሮ ብኦንላይን ፈተነኦም ከምዝወሰዱ ገሊፆም።

ብፈቲያ ዓብደላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.