Fana: At a Speed of Life!

ፀገም ፀፅታ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወሰዱ ተምሃሮ ውፅኢቶም ነቲ ዝነበረ ፅዕንቶ ስነ ልቦና ተሓሳቢ ብዝገበረ መገዲ ክውሰን ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገም ፀፅታ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወሰዱ ተምሃሮ ውፅኢቶም ነቲ ዝነበረ ፅዕንቶ ስነ ልቦና ተሓሳቢ ብዝገበረ መገዲ ከምዝውሰን ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ሎሚ ዘበን ዝተኻየደ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብዕዉት ኩነታት ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጡ።

እቲ ፈተና ብዘይስርቆት ከምዝተውሃበ እውን ገሊፁ።

እቲ ሚኒስቴር ልዕሊ 358 ሺሕ ተምሃሮ ፈተና መእተዊ ዩንቨርስቲ ከምዝወሰዱ እውን ኣፍሊጡ።

ፀገም ፀፅታ ኣብ ዝነበሮም ክልላት ትግራይን ቤኒሻንጉል ጉምዝ ዞባ መተከልን ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወሰዱ ተምሃሮ ውፅኢቶም ነቲ ዝነበረ ፅዕንቶ ስነ ልቦና ተሓሳቢ ብዝገበረ መገዲ ክውሰን ኢዩ ኢሉ።

ውፅኢት ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝግበር እውን ሓቢሩ።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.