Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ዘተ ንምዕዋት መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ዘተ ንምዕዋት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓዊሱ መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣባላት እቲ ባይቶ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ዘተ መደረ ዘስምዑ እቶም ኣፈ-ጉባኤ÷ እቲ መድረኽ ኣብ ኣፈፃፅማ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ፣ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ፣ ምምሕዳራዊ ሕጊን ናይ መንግስቲ ፌዴራል ናይማእኸላይ ግዘ ትልሚ ኢንቨስትመንትን ትኹረት ከምዝገብር ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዓወት ዝተሳለጠ ተግባር ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እቲ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ክልላት እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምሕታቶም ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመላኽት፡፡

ዝተሓሰበ ሃገራዊ ምርድዳእ ጋህዲ ንኽኸውን ድማ ኣብ ክልላት ተመሳሳሊ ስራሕቲ ኣጠናኺርካ ክቕፅሉ ምግባር ከምዘሓትት ብምግላፅ÷ እቲ ሃገራዊ ዘተ ንምዕዋት ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሓዊሱ ሕድሕድ ዜጋ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.