Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ኮንፈረንስ መፅናዕቲን ምርምርን ሳይበር ድሕንነት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮንፈረንስ መፅናዕቲን ምርምርን ሳይበር ድሕንነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፣ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ድሕንነት ሰለሞን ሶካን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ኣይተ ሰለሞን ሶካ፥ እቲ ኮንፈረንስ ዜጋታት ብዛዕባ ሳይበር ድሕንነት ዘለዎም ግንዛበን ንቕሓተ ሕሊናን ክብ ብምባል ብመጥቃዕቲ ሳይበር ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምቕናስ ዝዓለመ ኢዩ ኢሎም።

ንቑሕን ዝሰልጠነን ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍራይ እውን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

መጥቃዕቲ ሳይበር ኣብ ኢትዮጵያ ከብፅሖ ዝኽእል ጉድኣት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታትን ምርምራትን ይካየዱ ኣለዉ ኢሎም።

ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ጠመተ ገይረን ዝሰርሓ ዩኒቨርሲቲታትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብቲ ዛዕባ ትኹረት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.