Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ምዕራፍ ዘተ ምእካብ ኣጀንዳ  ጠመተ ዝወሃበሎም ዓበይቲ ዛዕባታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ምዕራፍ ዘተ ኣጀንዳ ከምዝኣከበ ይፍለጥ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ቀፃሊ እውን እዚ ከይዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ከይዲ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ይካየድ ስለዘሎ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ምዕራፍ ምእካብ ኣጀንዳ  ጠመተ ዝወሃበሎም ዓበይቲ ዛዕባታት ብምልላይ ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

  1. ሓቛፍን ወካሊን

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝጀመሮ ምዕራፍ ዘተ ብብዙሓት ጉጅለታት፣ ክፋላት ማሕበረሰብ፣ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝግለፁ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ብግቡእ መገዲ ብምክታት ንዕውትነት እቲ ከይዲ ይሰርሕ ኣሎ።

ኣብቲ ከይዲ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብኣግባቡ ወኪሎም ብምልኣኽ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ክቐርበሎም ዝደሊዩዎ ሓሳባት ናይ ምቕራብ መሰሎም ዝተሓለወ ኢዩ።

2.ሓይሊ መዳርግሊ ኣካላት ምምጥጣን

እቲ ኮሚሽን ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ዝተፈላለየ ሓይሊ ሚዛን ዘለዎም መዳርግቲ ኣካላት እናሳተፈ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

እዚ ከም መበገሲ ብምጥቃም ዝተፈላለየ ሓይሊ ሚዛን ዘለዎም ኣካላት ብማዕረ ከም መዳርግቲ ኣካላት ብምሕሳብ እቲ ከይዲ እናመርሐን እናተሓባበረን ይርከብ።

  1. ዝፃብኡ ባህግታት ምትእንጋድ

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝመርሖ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣዝዩ ብዙሕ ሓሳባት ካብ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብኣጀንዳነት ይመፅኡ ኣለዉ።

እቶም መዳርግቲ ኣካላት ናይ ኣጀንዳ ሓሳቦም እንትውድቡ ብዙሓት ናይ ሓሳብ ክርክራት ብምቕራብ ዝተፈላለዩ ባህጊታት የንፀባርቑ ኣለዉ።

ኣብዚ ከይዲ እቲ ኮሚሽን ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ሓሳብ ብማዕረ ናይ ምትእንጋድ ሓላፍነት ዘለዎ ብምዃኑ እቶም ሓሳባት ከከምኣመፃፅአኦም ብኣጀንዳነት የተኣናግድ ኢዩ።

  1. ግልፅነትን ሕጋዊነትን

ንከይዲ ሕጋውነት እቲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኣሰራርሓ ብምስንዳእን ብቤት ምኽሪ ኮሚሽንነራት ብምፅዳቕን ነቲ ከይዲ ምትሕብባር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.