Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ምዕራፍ ልዝብ ክልልን ምምሕዳር ከተማን ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ምዕራፍ ልዝብ ክልልን ምምሕዳር ከተማን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጅመር ኢዩ ተባሂሉ።
እቲ መድረኽ ን7 መዓልታት ዝፀንሕ ኢዩ።
ፈለማ ንልዝብ ዝቐርቡ ተሳተፍቲ ብዘተን ምይይጥን ሓሳባት ኣጀንዳ ከምዘምፅኡ ኮሚሽነር ዝቲ ኮሚሽን ኣምባዬ ኡጋቶ(ዶ/ር) ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።
ኣብቲ ከይዲ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት ንምትእንጋድ ዘኽእል ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።
እቶም መዳርግቲ ኣካላት ኣጀንደኦም ሓበራዊ ብምግባር ኣተኣኻኺቦምን ወዲቦምን መፍትሒ ሓሳባት ኣብቲ ምዕራፍ ከቕርቡ ኢዮም ተባሂሉ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.