Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ናይ ሓደጋ ስግኣት ቅድመ መጠንቀቕታ ሰነድ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ናይ ሓደጋ ስግኣት ቅድመ መጠንቀቕታ ሰነድ ዕላዊ ከምዝኾነ ብሄራዊ ናይ ሓደጋ ስራሕ ስግኣት ኣመራርሓ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

እቲ መፅናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ዘብፅሕዎ ቅልውላውን ጉድኣትን ምቕናስ ዘኽእል ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ መንግስቲን ኣጋር ትካላትን ድጋፍ ኣብ ዝተገበረሉ እቲ መፅናዕቲ፥ ኣብ ኩሎም ክልላት ኣብ ዝተፈላለዩ 491 ወረዳታት ናይ ቅድመ መጠንቀቕታ ሰነድ ምድላዉ ተሓቢሩ።

እቲ ሰነድ ኣብቶም ከባቢታት ከጋጥም ዝኽእል ፀገም እንታይ ኢዩ፣ እቲ ፀገም ንምክልኻልን ንምጥያሽን ዘሎ ዓቕሚ እንታይ ይመስል ዝብሉን ተመሳሰልቲ መረዳእታታትን ዘካተተ ኢዩ ተባሂሉ።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ 434 ወረዳታት ናይ ተላሚድካ ምንባርን ናይ መሐለውታን ሰነድ ዝተሰናደአሎም ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.