Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ ረብሓ የደንፍዑ ኢዮም ዝተብሃሉ 1 ሺሕን 35 ደረጃታት ፀዲቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ደረጃታት ኢትዮጵያ ብመንፅር ጥዕና፣ ሓለዋ ከባቢን ንግዲ ምቅልጣፍን ርኡይ ኣስተዋፅኦ የበርክቱ ኢዮም ዝበሎም 1 ሺሕን 35 ደረጃታት ኣፅቑ፡፡

እቲ ኢንስቲትዩት ብሄራዊ ደረጃታት ንኸሰናድእ ብዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ዓለም ለኸ ኩነታት ተሓሳቢ ብምግባር ንዕቤት ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ ዘለዎም ደረጃታት ኣፅዱቑ ኣሎ፡፡

ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ደረጃታት 19 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ኣብ ዘሳለጦ መበል 35 ስሩዕ ኣኼባ÷ ብሸውዓተ ዘፈራትን ብ25 ኮሚቴ ቴክኒክን ተሰናዲኦም ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ 1 ሺሕን 37 ደረጃታት እቶም 1 ሺሕን 35 ደረጃታት መርሚሩ ኣፅዲቑ፡፡

እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ዝሃቡ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢኒስቲትዩት መሰረት በቀለ ከምዝበሉዎ÷ ዝፀደቑ ደረጃታት፤ ኢኮኖሚ ኣብ ምድንፋዕ፣ ድሕንነት ሰባትን እንስሳትን ኣብ ምርግጋፅ፣ አብ ሓለዋ ከባቢን ምቅልጣፍ ንግዲን ዘለዎም ግደ ልዑል ኢዩ።

ምፅዳቕ እቶም ደረጃታት ረብሓ ዓደግቲ ካብ ምሕላውን ተህባራት ቁፅፅርን ክትትልን ተግባራዊ ንምግባር ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.