Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ኣብ ርእሰ ከተማኣ ቦነስ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ኣርጀንቲና ናብ ርእሰ ከተማኣ ቦነስ ኣይረስ እንትትበፅሕ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ኣርጀንቲና ናብ ጎደናታት ቦነስ ኣይረስ ብምውፃእ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሩላ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንፈረንሳይ ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ብምስዓር ፅዋዕ ዓለም ኳታር ዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና÷ ኣብ ቦነስ ኣይረስ በፂሓ።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦነስ ኣይረስ እንትትበፅሕ ናይ ጅግና ኣቀባብላ ተገይሩላ።

መንግስቲ እታ ሃገር ድማ ሎሚ ብሄራዊ መዓልቲ ሓጎስ ተባሂላ ንኽትበዓል ኣዊጁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.