Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ፓስፊክ እስያ ዝዓበየ ሕብረት ንግዲ ኣጣይሸን

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 7፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሲሶ ቁጠባዊ ሃፍቲ ዓለም ዝሓዘሃ 15 ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ንግዲ ፓስፊክ እስያ ከምዘጣየሻ ዕላዊ ገይረን።

እቲ ስምምዕነት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ቁጠባዊ ሃፍተን ንዝተጎድኣ ሃገራት ፅቡቕ ኣጋጣሚ ሒዙ ክመፅእ ዝኽእል ኢዩ ታሂሉ፡፡

እቲ ዝተጣየሸ ምትሕብባር ቁጠባዊ ሃፍቲ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ናብተን ሃገራት ኣብ ዝኣተዉ ፍርያታት ሙሉእ ብሙሉእ ቀረፅ ዘትርፍ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እተን ሃገራት 29 ሚኢታዊ ዝኸውን ጉጠባዊ ሃፍቲ ዓለም ዝሓዙ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ከምዝነብረለን ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.