Fana: At a Speed of Life!

ሃገራት ኣብ ካልኦት ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ናይ ዘይምእታው መርህ ከኽብራ ይግባእ- ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራት ኣብ ካልኦት ውሽጣዊ ጉዳያት ጣልቃ ናይ ዘይምእታው መርህ ከኽብራ ይግባእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣተሓሳሲቦም።

ኢትዮጵያ ታሪኽ ሃገረ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብ ጀመርቲ ማሕበር ትካል መንግስታት ኣባልን ቀዳመይቲ መስራቲትን ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ መስራቲት ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝኾነት ኣዘኻኺሮም።

ኢትዮጵያ ኩለ መዳይ ምትሕብባርን ንዓለም ለኻዊ ሕግታትን መርህታትን ፅኑዕ ዝኾነ ዘይለዋወጥ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪክ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት እውን ገሊፆም።

ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ሰላም ንምኽባር ካብ መንጎ ዝተዋፈሩ ወገናት እቶም ኣብዝሓ ብቐዳምነት ከምዘበርከተት ሓቢሮም።

ካብ ቀንዲ ሕጊታት ሕቡራት መንግስታት ሓደ ዝኾነ ዓንቀፅ 2(7) እንተርኢና፥ ዝኾነት ትኹን ሃገር ኣብ ልዕሊ ካሊእ ልኡላዊት ሃገር ጣልቃ ክትኣቲ ከምዘይብላ ይድንግግ።

ዓለም ለኻዊ ቤት ፍርዲ እውን ነዚ ጉዳይ ኣፅንኦት ብምሃብ ሓንቲ ልእላዊት ሃገር ናይ ውሽጢ ጉዳያ ብዘይምንም ጣልቃ ኣእታውነት ናይ ምክያድ መሰል ዘረጋግፅ ኢዩ። እዞም መርህታት ካብ ውሽጢ ሕጊታት ሕብረት ኣፍሪካ ዝፍልፍሉ ኢዮም።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንምሕጋዝ ዘርኣዮ ባህጊ ዝነኣድ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እዚ ብመሰረት ዓለም ለኸ ሕግታት ክፍፀም ከምዘለዎ ንምግንዛብ እደሊ ኢሎም።

እዚ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕትኡ ንማሕበረሰብ ዓለም ክሳብ ዘቕርብ ኣብ ጎኑ ደው ክብሉ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.