Fana: At a Speed of Life!

ሃይማኖት ናይ ሰላም እንበር ብዝኾነ ምኽኒያት መበገሲ ጎንፂ ክኾና ኣይግባእን-ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃይማኖት ናይ ሰላም እንበር ብዝኾነ ምኽኒያት መበገሲ ጎንፂ ክኾና ኣይግባእን ክብል ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ከተማ ጎንደር ዘጋጠመ ፀገም ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ዝተፈፀመ ቅትለት፣ ቃፀሎ መስጊድ ከምኡውን ዕንወት ንብረት ውልቀ ሰባት ሙስሊምን ዘረፋን ኣብ ሃይማኖት ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓጥያትን ብፈጣሪ ዘሕትትን ፀያፍ ተግባር ከምዝኾነ ገሊፁ።

ሃይማኖት ናይ ሰላም፣ ፍቕሪን ሓድነትን መሰረት ኢያ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሃይማኖታት ኩሎም ፍቕሪ፣ ሰላም፣ ሓድነት፣ ብሓባርን ምዕባይ ንከምህሩ ፈጣሪ ሓላፍነት ዝሃቦም ዝተኸበሩ ትካላት ኢዮም ኢሉ።

ይኹን እንበር ፀገማት ብቐሊሉ ተዘራሪብካ ምፍታሕ እናተኽኣለ ቀለልቲ ጉዳያት መበገሲ ብምግባር ክቡር ዝኾነ ህይወት ሰብ ክሳብ ምጥፋእ ዝበፅሕ ከቢድ ተግባር ምፍፃም ኣብ ሃገርና ምስማዕን ምርኣይን ይልመድ ከምዘሎ ገሊፁ።

ትማሊ ኣብ ጎንደር ዘጋጠመ ፀገም ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣፈላላይ ብምኽባር ኣብ ናይ ሓባር ጉዳያት ብምድግጋፍን ብምትሕብባርን ንዘበናት ዝነበረ ክብሪ/እሴት ታሪካት ዘርስሕ ኣዝዩ ዘሕዝን ተግባር ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ በቲ ዘጋጠመ ፀገም ምኽኒያት ኣብ ልዕሊ ህይወት፣ ኣካልን ንብረትን ብዝበፅሐ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

መንግስቲ ፌዴራልን ክልል ኣምሓራን፥ ኣብ ልዕሊ ህይወት፣ ኣካልን ንብረትን ብዝበፅሐ ሓደጋ ዝጥርጠሩ ኣካላት ብሕጊ ብምፅራይ ሕጋዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ንህዝቢ ንከፍልጡ ሓቲቱ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.