Fana: At a Speed of Life!

ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ምስ ኣመራርሓ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር) ምስ ኣመራርሓ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ተዛቲዮም።

ኣበ ዘተኦም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብሓባርን ብምውዳድን ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታታት ኣድሂቦም ዘቲዮም፡፡

ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)÷ ዩኤስኤኣይዲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ብምትግባር ዝገብሮ ሓገዝ ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ዋሽን መፅናዕቲ ከርሰ ምድሪ ማይን ተዋዲድካ ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ብምኽንያት ጎንፂ መሰረተ ልምዓታት ማይ ኣብ ዝተጎድኡሎም ከባቢታት ዝግበር ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ብዙሓት ስራሕቲ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ትካላት ጥዕናን ትምህርቲን ተተግቢሩ ውፅኢታዊ ዝኾነ “ኢኒሼቲቭ ግድበይ ኣብ ገዛይ” ዩኤስኤኣይዲ ንኽድግፍ ፃዒት ምቕራቦም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.