Fana: At a Speed of Life!

ሃማስ ኩሎም ዝዓገቶም እስራኤላውያን እንድሕር ዘይለቒቑ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ክቋረፅ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ትራምፕ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉጅለ ዕጡቕ ፍልስጤም ሃማስ ዝዓገቶም እስራኤላውያን ሙሉእ ብሙሉእ ዘይለቅቕ እንድሕር ኮይኑ ዝተገበረ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ብምቁራፅ ዳግም ኲናት ከምዝኽፈት ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ገሊፆም፡፡

ህይወት ብዙሓት ንፁሃን ዝቐጠፈን ሚሊየናት ካብ መረበቶም ዘመዛበለን ኲናት እስራኤል-ሃማስ ቅድሚ ወርሒ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ተገይሩ ግዚያዊ እፎይታ ከምዝፈጠረ ይዝከር፡፡

እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹ ካብ ዝጅምር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 19 ጥሪ ጀሚሩ 16 እስራኤላውያንን 3 ታይላንዳውያን ዝተለቐቑ እንትኾኑ÷ ብመተካእታ ድማ 566 ፍልስጤማውያን እሱራት ናፃ ወፂኦም ኢዮም፡፡

ይኹን እምበር ሃማስ፤ እስራኤል ኣብቲ ስምምዕነት ዝተኻተቱ ቅድመ ኩነታት ጥሒሳ ኢያ ብዝብል ዝተረፉ ዝታገቱ ሰባት ናይ ምልቃቕ ከይዲ ከምድንጉዮ ኣፍሊጡ ኢዩ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነዚ ስዒቡ÷ ሃማስ ክሳብ ዝቕፅል ቀዳም ዝተዓገቱ እስራኤላውያን ሙሉእ ብሙሉእ ዘይለቅቕ እንድሕር ኮይኑ እቲ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ከምዘብቅዕን ኣብ በጋዛ ዳግም ኲናት ከምዝእወጅን ኣጠንቂቖም፡፡

ኣቐባሊ ቃል ሃማስ ቃሳሚ ኣቡ ዙህሪ ብግደኦም÷ “ምፍርራሕ ኩነታት ብዝበለፀ ካብ ምውስሳብ ሓሊፉ ዋጋ የብሉን” ክብሉ ንመጠንቀቕታ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ምላሽ ምሃቦም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.