Fana: At a Speed of Life!

ሂዝቦላህ ኣብ ባሕሪ ሓይሊን ድሕንነት ቢሮን እስራኤል ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሊባኖስ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ዕጡቕ ሂዝቦላህ ኣብ ሰሜን እስራኤልን ቴል ኣቪቭን መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብተን ከባብታት ዝርከብ ማእኸል ባሕሪ ሓይሊን ቢሮ ድሕንነትን እስራኤል ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ነቲ መጥቃዕቲ ሮኬት ስዒቡ ኣብ ቴል ኣቪቭ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተኣወጀ እንትኸውን÷ ኣብታ ከተማ ደወል መጠንቀቕታ እናተሰምዐ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

መከላኸሊ ሓይሊ እስራኤል ብግድኡ÷ ሎሚ ወጋሕታ ሂዝቦላህ 20 ዝኾኑ ሮኬታት ናብ እስራኤል ከምዝተኮሰ ኣፍሊጡ፡፡

መብዛሕተኦም ሮኬታት ከምዝፈሸሉ ብምግላፅ÷ በቲ መጥቃዕቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ክብ ምግላፅ ከምዝተቖጠበ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.