Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣባል ዓለም ለኸ ዝምድና ጣቢያ ቴሌቨዥን ብሪክስ ብምዃን ንክሰርሕ ተሓሪዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣባል ዓለም ለኸ ዝምድና ጣቢያ ቴሌቪዥን ብሪክስ ብምዃን ንክሰርሕ ተሓሪዩ።

ብመሰረት እዚ ኣባል ኮይኑ ንክሰርሕ ዘኽእሉ ሰነድ ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ከቲሙ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠውን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኢንተርናሽናል ሚዲያ ኔትወርክ ቲቪ ብሪክስ ጃና ቶልስተኮቫ ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ጃና ቶልስተኮቫ፥ ብቨርቺዋል ኣብ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ምንባር ክታም ከምዝበልዎ፥ ፋና ኣባል እቲ ጣቢያ ብምዃን ዝተሓረየሉ ምኽኒያት ኣብ ኢትዮጵያ ተመራፂ፣ ተደማፂን ፅዕንቶ ፈጣሪን ሚዲያ ብምዃኑ ኢዩ ኢሎም።

ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ብግደኦም፥  ፋና ኣባል ኢንተርናሽናል ሚዲያ ኔትወርክ ቲቪ ብሪክስ ምዃኑ ኣባል ብሪክስ ዝኾነት ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ፣ ፅባቐን ባህጊን ንማሕበረሰብ ዓለም ንክባፃሕ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ክልቲኦም መራኸብቲ ሓፋሽ ብትሕዝቶ፣ ቴክኖሎጂን ስልጠና ሓይሊ ሰብን ብምትሕብባር ክሰርሑ ኢዮም።

ስለዝኾነ ካብ ኢንተርናሽናል ሚዲያ ኔትወርክ ቲቪ ብሪክስ ዝተሓረዩ ትሕዝቶታት፥ ብቴሌቭዥን፣ ሬድዮን ዲጂታል ሚዲያን ፋና ብሮድካስተንግ ኮርፖሬት ክውዝዑ ኢዮም።

ብተመሳሳሊ ዝተመተረፁ ትሕዝቶታት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብመራኸቢ ሓፋሽ ኢንተርናሽናል ሚዲያ ኔትወርክ ቲቪ ከምዝውዝዑ ተገሊፁ።

ኢንተርናሽናል ሚዲያ ኔትወርክ፥ ምስ ጣቢያታት ቴሌቭዥን ኬንያ፣ ግብፂ፤ ደቡብ ኣፈሪካን ሞዘምፒክን ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.