Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ክፍለ ኣህጉር  ቴክ ፎር ጉድ ሁዋዌ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ክፍለ ኣህጉር “ቴክ ፎር ጉድ” ሁዋዌ ተዓዊቱ።

ካብ ምብራቕ፣ ሰሜን፣ ምዕራብን ማእኸላይን ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኣ 17 ሃገራት ዘሳተፈ እቲ ውድድር፥ ካብ 26 ሰነ ክሳብ 2 ሓምለ ኢዩ ተሳሊጡ።

ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሸሞንተ ዩንቨርስታት ዝተውፃእፅኡ 10 ተምሃሮ ኣብቲ ሰልጠና ዘሳተፈት እንትትከውን፥ ሓሙሽተ ተምሃሮ ዝሓዘ ሓደ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ተዓዊታ።

እቶም ተሳተፍቲ ተምሃሮ ኣብ 28 ጉጅለታት ብምክፍፋል ንውድድር ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ዘሰናደአት እንትትከውን፥ ጉጅለ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ብምዃን ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብቲ ውድድር ቀዳማይን ካልኣይን ብምዃን ዝተዓወታ ኢትዮጵያን ሞሮኮን ኣብ 2025 ናብ ዝካየድ ዓለም ለኸ ፍፃመ ናብ ቻይና ከምርሓ ኢየን ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.