Fana: At a Speed of Life!

ዲፕሎማታት ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግበኦም-ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲፕሎማታት ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግበኦም ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢምባሲታትን ቆንስላታትን ንዝውክሉ ሓደሽቲ ተሸወምቲ ኣምባሳደራት ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።

ኣምባሳደር ታዬ፥ ዲፕሎማታት ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ክሰርሑ ይግበኦም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪካ ጠንካራ ዲፕሎማት ከምዘለዋ ኣብ ዝፈላለዩ ዓውዲታት ኣርእያ ኢያ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ እዚ ንምሕላው ንባዕልኻ ንባዕልኻ ብፍልጠት ምህናፅ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ጥበብ መሪሕነት፣ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ምርዳእ ካብ እቶም ዲፕሎማታት ትፅቢት ከምዝግበር ኣገንዚቦም።

እቲ ሰልጠና ካብ 4 ክሳብ 20 ሓምለ 2016 ዓ.ም ከምዝወሃብ ተገሊፁ።

ብወንድሙ ኣዱኛን ኣልማዝ መኮንንን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.