Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮም 93 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ.ም 93 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣፈፃፅማ ስራሕ እቲ ባጀት ዓመት ዝጠመተ መብርሂ ሂበን።

ኣብ መብርሂአን፥ እቲ ኩባኒያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ 778 ናይ ቴሌኮም ኦፕሬተራት መበል 17 ደረጃ ከምኡውን ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘለዉ 195 ናይ ቴሌኮም ኦፕሬተራት መበል ካልኣይ ደረጃ ከምዝተቐመጠ ገሊፀን።

ኣብቲ ባጀት ዓመት ቁፅሪ ዓማዊል 78 ነጥቢ 3 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ብምሕባር 21 ነጥቢ 79 ቢሊየን ብር መኽሰብ ከምዝተረኸበ ኣብሪሀን።

ብሸርፊ ወፃኢ ኣታዊ ካብ ዝርከበሎም ፍልፍላት 198 ነጥቢ 02 ሚሊየን ዶላር ምርካቡ ገሊፀን።

ብዘመን በየነ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.