Fana: At a Speed of Life!

ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ንዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንምኽባር ብሄራዊ ረብሓ ንዝሰርሓ መራኸብቲ ሓፋሽ ውሽጢ ዓዲ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ ተኻይዱ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፥ “ሚዲያ ንሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘሰናደኦ እቲ መርሃ ግብሪ እተን ሚዲያታት ብዝበለፀ ንክሰርሓ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ሓለፍቲ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ሰብ ሞያ ከምኡውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ መረዳእታ ብምድራኽ ክብሪን ረብሓን ሃገር ንምሕላው ግደኦም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ሓድነት፣ ፍቕሪን ሓበራዊ ያታን ንመፃኢ ትውልዲ ንምምሕልላፍ ምስራሕ ከምዘለወን እውን ኣገንዚቦም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንሽልማት ካብ ዝተሓረያ 69 መራኸብቲ ሓፋሽ እተን 11 ፅዋዕን ወረቐት ምስክርን ካብ ኢድ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተቐቢለን።

ብመሰረት እዚ ብዓውዲ ንግዲ ሚዲያ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት (ኤፍ ቢ ሲ)፣ ኣዲስ ዋልታን ኢቢኤስ ተዓወትቲ ኮይነን።

ብሚዲያ መንግስቲ ድማ ኢቢሲ፣ ኢትዮጵያ ፕሬስ ድርጅት፣ ኦቢኤንን አሚኮን ተሸለምቲ ፅዋዕ ኮይነን።

ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፍሉይ ተሸላሚ ከምኡውን ኣዲስ ሚዲያ ኔት ዎርክ ወረቐት ምስክር ተበርኪቱሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.