Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ እትገብሮ ደገፍ ከምእተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ እትገብሮ ደገፍ ከምእተጠናኽር ገሊፃ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ምስ ኣቦ መንበር ኤጀንሲ ምትሕብባር ዓለም ለኸ ልምዓት ቻይና ሉዎ ቻውሁይ ኣብ ቤጂንግ ዘቲዮም።

ኣይተ መላኩ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝነኣድ ስምረት ኢኮኖሚ ምምዝጋባን ኣብዛ ሃገር ብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ይፍጠር ከምዘሎን ተዛሪቦም።

ምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘቀላጥፉ ግዙፋት ፕሮጀክትታት ይህነፁ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

እቶም ፕሮጀክትታት ብህፁፅ ንክዛዘም እቲ ኤጀንሲ ግድኡ ንክዋፃእ ሓቲቶም።

ሉዎ ቻውሁይ ብግደኦም፥ ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢኮኖሚ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.