Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ፈልስታት ኣፕል ተኺሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ፈልስታት ኣፕል ተኺሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ስራሕቲና ዘቐመጥናዮ ሸቶ ብዘዐውት መገዲ ኣጀማምራ ንርከብ” ኢሎም።

ተበግሶ ተኸላ ፈልሲ ሕብረተሰብ አወን ልዑል ከምኾነ ኣረዲኦም።

ሎሚ ኣብ ፕሮጀከት ጫካ ፈልሲታት ኣፕል ተኺልና፤ ሎሚ ዘበን ኣብቲ ከባቢ ዝተገበረ ተኸላ ፈልሲ ፍሉይ ዝገብሮ ቀዲሙ ዝነበረ ሽፋን ቀላሚንጦስ ተወጊዱ ብሃገር ቦቆል ስራሕቲ እርከንን ፈልሲን ዝተተከአ ምዃኑ እውን ኢዩ ኢሎም።

ካብ ከባቢ ሃረርን ኮንሶን ዝመፅኡ ሀዝብታት ሓመድ ንከይገሃስ ዝገብር ክእለቶም መክፋሎም አወን ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ኣብ ከተማታት እንሰርሖ ሓምለዋይ ኣሰር ፃዕሪታትና ብሓባር ብምስፋሕ ሽፋን ሓምላውነት ኣዲስ ኣበባ ምውሳኽ ንኽአል ኢና ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.