Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ኣብ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሪፎርም ስፖርት ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሪፎርም ስፖርት ኣድሂቡ ምስ ኣመራርሓ ወረዳ፣ ፌደሬሽንን ኣብያተ ዕዮ መንግስትን እናተዛተየ ምዃኑ ገሊፁ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ካምፓስ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ ዘተ፥ ብብርኪ ሃገር ተመሓይሾም ዝተባሃሉን ዝትግበሩ ዘለውን ሪፎርምታት ስፖርት ንምርኣይ ዝዓለመ ምዃኑ ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ወይዘሮ ገነት ኣረፈ ገሊፀን። ከም ክልል ተተካእቲ ንምፍራይ ብፍላይ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ተመኩሮ ዓለም…
Read More...

ጋንታ ወልዋሎ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናብ ሜዳኣ ክትምለስ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወልዋሎ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናብ ሜዳኣ ክትምለስ ኢያ። ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2010 ሕድሳቱ ብምጅማር ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ኣብ ፅገና ዝፀንሐ መይዳ ወልዋሎ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ተገሊፁ። እቲ ስታዲየም ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ሕድሳቱ ክጓተት እኳ እንተፀንሐ፥ ኣብዚ ሐዚ…

ጋንታ ባርሴሎና ንኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ብምስንባት ንኪኬ ሴቲዬን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ብምግባር ሾይማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስፔናዊት ውርይቲ ጋንታ ባርሴሎና ንኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ብምስንባት ንነበር ኣሰልጣኒ ሪያል ቤቲስ ኪኬ ሴቲዬን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ብምግባር ምሻማ ተገሊፁ። ወዲ 55 ዓመት ኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ንጋንታ ባርሴሎና ኣብ ዝመርሑሉ እዋን እታ ጋንታ ክልተ ፅዋዕ ላሊጋ ስፔን ክተልዕልን ናይዚ ዓመት ውድድር ድማ ብኣፈላላይ ነጥቢ…

ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተኸየደ ውድድር ፍረቂ ማራቶን ኣትሌት ፀሃይ ገመቹ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኔዘርላንድስ ዝተኸየደ ውድድር ፍረቂ ማራቶን ደቂ ኣነስትዮ ኣትሌት ፀሃይ ገመቹ ተዓዋቲት ኮይና። ኣትሌት ፀሃይ ነቲ ርሕቐት ብ1 ሰዓትን 20 ደቒቓን 29 ሰከንድን ብምእታው እንትትስዕር፥ ኣትሌት ታደለች በቀለ ሳልሰይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ። ኣብ ስፔን ዝተሳለጠ ተመሳሳሊ ውድድር ዓመታዊ ፍርቂ ማራቶን ሁዋን ሙጉዬርዛ፥…

በዓል 11 ለካቲት ብዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ውድድራት ንምድማቕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 45 ዓመት ልደት ህወሓትን ምጅማር ብረታዊ ቓልሲን በዓል 11 ለካቲት ንምድማቕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሳለጡ ምህላዎም ተገሊፁ። ካብቶም ዝሳለጡ ዘለው ዓበይቲ ምድላዋት፥ ስፖርታዊ ውድድራት ሓደ ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ። እቶም ውድድራት ዝድለ ትርጉም ምእንታን ከሕልፉ ዝተዋደደ ምድላው ይግበር ከምዘሎ አካቢ ኮሚቴ ስፖርት…

ኣብ ሻውዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልዋሎን መቐለ 70 እንደርታን ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ ሻውዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን መቐለ 70 እንደርታን ኣብ ልዕሊ መጋጥምተን ክልተ ንባዶ ብዝኾነ ተመሳሳሊ ውፅኢት ዓወት ኣመዝጊበን። ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ተራኺባ ክልተ ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት እንትትዕወት፥ እተን ሸቶታት…

ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋልን ጋንታ ሊቨርፑልን ሰይዶ ማኔ ተዓዋቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣፍሪካ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋልን ጋንታ ሊቨርፑልን ሰይዶ ማኔ ተዓዋቲ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣፍሪካ ኮይኑ ብፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ ተሓርዩ። ሰይዶ ማኔ ኮኾብ ተፃዋታይ ኣፍካ ኮይኑ ዝተሓርየ፥ ንወዲ ጋንትኡ ግብፃዊ መሓመድ ሳላሕን ንተፃዋቲ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ኣልጀርያዊ ሪያድ መሃሬዝን ብምብላፅ ኢዩ።…