Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊን ኣህጉራዊን ከይዲ ህንፀት ሰላም ንከይዲ ዘተ ዝህብዎ ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊን ኣህጉራዊን ከይዲ ህንፀት ሰላም ንከይዲ ዘተ ዝህብዎ ትምህርቲ፦

ኣፍሪካ ባህላዊን ብማሕበረሰብ ዝተሃነፁ ሰርዓታትንን ንዕርቀ ሰላም፣ ሀንፀት ሰላምን ሓድነትን ንምሕላው ክትጥቀም ፀኒሓ ኢያ።

ትሕቲ ሰሃራ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካ ዘትግበርን ኣቡንቱ ብምባል ዝፅዋዕን ሰርዓት ነዚ ኣብነት እንትኸውን፥ ‘I am because you are’ ዝብል ብሂል ናይዚ ስርዓት ፍልስፍና የንፀባርቕ።

እቲ ስርዓት ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዘይምርድዳእ ብዝርርብ፣ ዕርቂን ይቕሬታን ብምፍታሕ ማሕበራዊ ረኽቦም አሐዲሶም ሓቢሮም ንክቕፅሉ ምቹእ ኩነታት ዝፈጥር ኢዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ዘለዉ ስርዓታት ዕርቂን ሽምግልናን ካብዚ ዝተፈለየ እንተዘይኮነ እውን ባህሊ ማሕበረሰብ ብዘገናዘበ መገዲ በዳሊን ተበዳሊን ፀገማቶም ብግልፂ ተዘራሪቦም ንክስማዕምዑ ኢሉውን ሰላም ንክነግስ እንትሰርሑ ፀኒሖም ኢዮም።

እቲ ሕቶ ሐዚ ዝኣተናዮ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ካብቶም ሃገራዊን ኣህጉራዊን ፍልጠታት አንታይ ዓይነት ትምህርቲ ክቐስም ይኽእል ዝብል ኢዩ።

ዝተወሰኑ ንምርቋሕ፦

ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ገልፂን ሓቃዊን ተሳትፎ

ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት ብግልፅን ሓቂን ይቕሬታ ምሕታት ከምኡወን ብኽያቶም ምሕባስ

ጉድኣት ዝበፅሖምን ልቦም ዝተሰበረን ወገናት ክንክን ስነ ልቦና ንክረኽቡ ምግባር

ኣብ ከይዲ መራሕቲ ሃይማኖት ዝህልዎም ግደ ልዑል ብምዃኑ ግቡእ ቦታ ምሃብ

ብማዕርነትን ነፃነትን ደቂ ሰባት ምእማን ኢሉ እውን ናይ ምንባር ክብሪ ናይ ምጉላህ ኣድላይነት ዝብሉ ኢዮም።

ፍልፍል፦ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.